ኢራን

ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘካይደኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከቋርጻ፡ ኢራን ደጊማ ጸዊዓ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘካይደኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከቋርጻ፡ ኢራን ደጊማ ጸዊዓ።
ኢራን ነዚ ጻውዒት’ዚ ተቕርብ ዘላ፡ እተን ሃገራት ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣቝመን ኣብ
ዘለዋሉ እዋን’ዩ።
ዕላማ’ቲ ወተሃደራዊ ልፍንቲ፡ በቲ ማያዊ ኣካል ንዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምውሓስ ምዃኑ’ኳ እንተተገልጸ፡ ብቐንዱ
ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ንምፍጣር ከምዝኾነ’ዩ ዝሕበር ዘሎ።
ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ንዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ከጋድዶ ከምዝኽእል ዝገለጸት ኢራን፡
ብኣግኡ ክቋረጽ ኣተሓሳሲባ’ላ።
ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር መጻብቦ ሀርሙዝ ሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ምስ
ኣመሪካ ዝጸንሓ ኩሉመዳያዊ ምትፍናን መሊሱ ከምዝዓረገ፡ ጸብጻባት ይገልጹ።
ንኒኵሌሳዊ መደባት ኢራን ብዝምልከት ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝጸንሐ
ዘይምቅዳው ከህድኦ ከምዝኽእል’ዩ ክእመት ጸኒሑ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ስምምዕ ንኣመሪካ ዘርብሕ ኮይኑ ከምዘይረኸቦ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መፋርቕ
2018 ከምዝሰሓበ ይዝከር።
ካብቲ ስምምዕ ድሕሪ ምስሓቡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተደጋጋሚ እገዳታት ዝጽደቐ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንቍጠባ’ታ ሃገር ናብ
ደረጃ ዜሮ ከውርዶ ከምዝኾነ’ዩ ከጠንቅቕ ጸኒሑ።
ከም ሳዕቤኑ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ምትፍናን ናይተን ሃገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃኡ ከምዝዓረገ፡ ጸብጻባት የረድኡ።